ካብ ኮር ንላዕሊ ዝኾኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ከምዘካየዱ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ መግለፂ ዘውፅኡ ኮይኖም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 16 ጥሪ 2017ዓ.ም ኣብ ዝፀውዖ ህፁፅ ኣኼባ ኣብቲ ካብ ኮር ንላዕሊ ብዝብል ዝቐረበ መግለፂ ዝርዝር ምይይጥ ብምክያድ ኣብ መደምደምታ በፂሑን ውሳነታት ኣሕልፉን ኣሎ።
1) እቲ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ ውሳነ ንሓደ ጉጅለ ዝወገነ፣ መንግስቲ ዘፍርስ፣ ሰራዊት ዝብትን፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍርስን መሰረታዊ ስሕተት ዘለዎን ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረምን ናብ ታሕቲ ከይወርድን ተወሲኑ ኣሎ።
ሀ) እቲ መግለፂ ኣብ ብርክት ዝበሎ ዛዕባታት ካብ ተልእኾ ሰራዊት ዝወፅአን ትካላዊነት ዘይሓለወን ምዃኑ ብዕምቆት ተራእዩ ኣሎ። ሰራዊት ኣብ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ናይ ውሽጢ ስራሕቲ ኣትዩ ነቲ ሓደ ጉጅለ ተቓዊሙ ነቲ ካልእ ፍንጫል ንመድጋፍ ዘኽእል ተልእኾ ከምዘይብሉ እናተፈለጠ “ጉባኤ ዘካየደን ዘየካየደን” ብዝብል ዝገበሮ ምይይጥ ኮነ ዘሕለፎ ውሳነ ተቐባልነት ዘይብሉ ተግባር ከምዝኾነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣስምርሉ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ንሱ ናይ ውድብ ኣፍልጦ ወሃቢ፣ ባዕሉ ስልጣን ውሃብን ከላእን ከምዝኾነ ዘሕለፎ ውሳነ እውን ተቐባልነት ዘይብሉን ስርዓት ኣልቦነት ዘስፍንን ጥራሕ ዘይኮነስ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ክትኾን ዝገብር፣ ሓድነት ህዝብና ዘዝርግን ህልውና ሰራዊትና ናብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ። ከም ትካል እውን ናይ ኮር ኣመራርሓ ዝበሃል ሕጋዊ ውዳብ ኣብ ዘይለሉ ብከምዚ ተኣኪቡ ውሳነ ንምሕላፍ ዘኽእሎ ስልጣን ከምዘይብሉ ተራእዩ እዩ።
ለ) ኣብያተ ምኽሪ ወረዳ፣ ከተማ/ክፍላተ ከተማ ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ እውን ብተመሳሳሊ ካብ ተልእኾኡ ዝወፅአ እዩ። መሓውርን ትካላትን መንግስቲ ምትዕርራይ ኮነ ሕግታት ናይ ምውፃእን ምስዓርን ስልጣን ናይ መንግሰቲ ኮይኑ እናሃለወ ናይ ሓደ ጉጅለ ድልየት ንምምላእ ተባሂሉ ዝሓለፈ ውሳነ ፍፁም ተቐባልነት የብሉን። እዚ እውን መንግስቲ ስራሕቱ ከይፍፅም ዝዕንቅፍ፣ ሓድነት ህዝብናን ሰራዊትናን ዝብተን ተግባር ምዃኑ መላእ ህዝብናን ሰራዊትናን ብዝግባእ ክርድኦ ይግባእ። እዚ ምንቅስቓስ መንግስቲ እግሪ ከይተክል ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዕንቅፋት ስለዝኾነ ብህፁፅ ክእረም ኣለዎ።
2) ብዛዕባ ምትዕርራይ መንግስቲ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ቅዋም ድማ ናይ ሓደ ጉጅለ ዘይተኣደነ ናይ ስልጣን ፃምእ ንምርዋይ ክበሃል ህልውና ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዘፍረስ ሓላፍነት ዝጎደሎ ውሳነ እዩ። እዚ ከዓ ብትርጉሙ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ኩናት ዘእቱ ብስለትን ስኽነትን ዝጎደሎ ውሳነ ስለዝኾነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክቕበሎስ ይትረፍ ክሓስቦ እውን ኣይክእልን። ብህፁፅ ንክእረም ከዓ ኣንፈት ኣቐሚጡ ኣሎ።
3) ኩሉ መሓውር ፀጥታ ናብ ሓደ ማእኸል ንክጥርነፍ ዘቐረበ ውሳነ ዘይሕገ መንግስታዊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ፀገም ትግራይ ዘጋድድ እምበር ዝፈትሕ ኣይኮነን። ኣብ ምውፋር ክናበቡ ምግባር ኣይክኣልን ዋላ እንይዘይተብሃለ ናብ ሓደ መኹባዕቲ ተዘይኣትዮም ዝበሃል ግን ፍፁም ተቐባልነት የብሉን። ኩሎም ኣካላት ፀጥታ ሞያዊ ነፃነቶምን ሕጋዊ ሓላፍነቶምን ሓልዮም እናተናበቡ ተዋዲዶም ክሰርሑ ኣብ ምግባር ግን ብቐፃልነት ክስርሓሉ እዩ።
4) ብከምዚ መልክዕ ዝቐረቡ ውሳነታት መሰረታዊ ስሕተት ስለዘለዎም ተፈፃምነት ከምዘይብሎም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሊጡ ኣሎ። እቶም ውሳነታት ተጓይይካ ናብ ታሕቲ ንምውራድ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብህፁፅ ደው ክብሉን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ቅኑዕ መትከል ጠጠው ኢሎም ነዚ ግጉይ ውሳነ ዝተቓወሙ ኣመራርሓ ሰራዊት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ውሳነ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ክትግበር ከምዘይበሉን እውን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሲኑ ኣሎ።
ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ
እቲ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይ ዝወፅአ መግለፂ ኣመና ከምዘጉሀየካን ከምዘሻቐለካን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕምቆት ተገንዚቡ ኣሎ። ብስሕተት ኣመራርሓ ሰራዊት ምኽንያት ናብ ዳግማይ ኩናት ንከይትኣቱ ምሒር ከምዘተሓሳሰበካ እውን ተረዲእና ኣለና። እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘጉህን ዘተሓሳስብን እኳ እንተኾነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ስግኣትካን ባህግኻን ኣብ ግምት ብምእታው ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣብቶም ውሳነታት ዝርዝር ምይይጥ ድሕሪ ምግባር ተፈፃምነት ከይህልዎምን ንታሕቲ ዝወረዱ መምርሕታት ብህፁፅ ደው ንክብሉን ወሲኑ ኣሎ። ንስኻ እውን በቢከባቢኻ ዘለዉ ምንቅስቓሳት ብጥቡቕ ክትከታተልን ስሕተታት እንተጋጥሙ ኣብ ጎኒ መንግስትኻ ኮይንኻ ክትእርሞምን ንፅውዕ። ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ድማ ሰላምካ ክትሕሉን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ መሊሱ ናብ ኩናት ክእትወና ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ብትሪ ክትቃወምን ይግባእ።
ዝኸበርካ መንእሰይ ትግራይ
በቲ ናይዚ ሰሙና ናይ ኣመራርሓ ሰራዊት ውሳነታት ኣዚዩ ከምዝደንፀወካ ተረዲእና ኣለና። ተስፋ ዝገበርካሉ ናይ ለውጢ ሓሳብ ከይኹለፍን ተሳትፎኻ መመሊሱ ከይመክንን ዘሕደረልካ ስግኣት እውን ተገንዝብና ኣለና። ናይ ሓደ ጉጅለ ፃምእ ስልጣን ንምርዋይ ተባሂሉ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ኩናት ከይኣቱ፣ ሓድነት ህዝብኻ ዝያዳ ከይበጣጠስ እውን የጨንቐካ ኣሎ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ካብ ተልእኾ ሰራዊት ወፃኢ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ብዝርዝር ርእዩ ከይትግበርን ናብ ታሕቲ እውን ከይወርድን ከምዝወሰነ ክነረጋግፀልካ ንደሊ። ንስኻ እውን ምስ ህዝብኻን ሰራዊትካን ኮይንኻ እቶም ግጉያት ውሳነታት ከይትግበሩ ብፅንዓት ክትቃለስ ኣለካ። ብኣውርኡ ከዓ ሰላምካ ውሑስ ክትገብርን ዳግማይ ኩናት ዝውልዐሎም መንገድታት ዕፁው ንምግባር ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክትስለፍን ፃውዕትና ነቕርብ።
ዝኸበርኩም ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ
ኣብዚ ሰሙን ብዝቐረቡ ዘይመትከላዊ ውሳነታት ከምዝሓዘንኩምን ህልውናኹም ናብ ከቢድ ሕዳጋ ከይኣቱ እሞ መኸተና ሙሉእ ብሙሉእ ከይሕንሸሽን ከምዝተሓሳሰበኩም ግልፂ እዩ። ብመስተንክራዊ ቅያኹም ዝዓቀብኩምዎ ሰላም ከይህወኽ፣ ብመስዋእትኹም ዘጣየሽኩምዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይፈርስን ህዝብኹም ናብ ካልእ ዙር ደማዊ ኩናት ከይኣቱን ኣብ ሓያል ሻቕሎት ከምዘለኹም ንርዳእ ኢና። ልዕሊ ኩሉ ከዓ መስዋእትኹም፣ መጉዳእትኹምን ምግዳልኩምን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ቀሪቡ ናይ ሓደ ጉጅለ መጋበሪያ ከምዝኾንኩም ተገይሩ ዝቐረበ ሓሳብ ኣዐርዩ ከምዘጉሀየኩም ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተገንዚቡ ኣሎ። ስግኣትኩም፣ ጓሂኹምን ሻቕሎትኩምን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ነቲ መግለፂ ብዝርዝር ርኢና ተቐባልነት ከምዘይብሉን ብዝኾነ መንገዲ ከይትግበርን ወስንና ኣለና። ንስኹም እውን እዞም ውሳነታት ናብ ታሕቲ ወሪዶም ከይትግበሩ ብፅንዓት ክትቃለሱ ፃውዕትና ክነቕርበልኩም ንደሊ።
መልእኽቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ
ኣብዚ ሰሙን ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ መግለፂ ናይ ሰራዊት ትግራይ ኮነ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓሳብን ውሳነን ኣይኮነን። ሰራዊት ትግራይ፣ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ብምፍፃም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወፅእ፣ ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ውሑስ ክኾንን ተሓታትነት ክረጋገፅን እምበር ንመስሪሕ ሰላም ተሓስሞም ናብ ኩናት ክኣትዉ ድልየት ከምዘይብሎም ክፍለጥ ኣለዎ። እቲ ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝወፅአ መግለፂ እውን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዕምቆት ፈትሹ ውድቂ ገይርዎ ኣሎ። ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝግባእ ንክፍፀምን ዝተጀመረ መስሪሕ ሰላም መሊኡ ውሑስ ንክኸውንን መንግስቲ ፌዴራል ዝተማልአ ሓገዝ ንክገብር ፃውዕትና ነቕርብ።
መልእኽቲ ንማሕበረሰብ ዓለም
ድልየት ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ሰላም እዩ። ነዚ እውን እዩ ዋላ’ካ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዙሓት ፀገማት እንተሃለዉ ሕቶታትና በሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንክንምለስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ተቐራርብና ንምስራሕ ቀዳምነት ሂብና እናሰራሕና ዝመፃእና። ሕዚ ግን ስቓይ ህዝብና ኣመና በዚሑ እቲ ኩነታት እውን ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ሓሳረ መከራ ንምፍታሕ ክሳዕ ሕዚ ዘይተፈፀሙ ዋኒናት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ንክፍፀሙ ኩለመዳያዊ ሓገዝ ንክትገብሩ ንፅውዕ። እቲ ኣብዚ ሰሙን ብሽም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝወፅአ መግለፂ ንሰራዊት ትግራይ ይኹን ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከምዘይውክል ድማ በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብር ንፈቱ። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ንክፍፀምን ሰላም ትግራይ ውሑስ ንምግባርን ዝተማልአ ሓገዝ ንክትገብሩ እውን ንፅውዕ።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
17 ጥሪ 2017ዓ.ም
መቐለ
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.